1. እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩየማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ

2. እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ

3. ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ

4. ኣቲ ምድሪ ዅልኺ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን አመስግኑን።

5. ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፣ እወ፣ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ

6. አብ ቅድሚ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።

7. ባሕርን ምልኣቱንዓለምን ኣብኣ ዘሎን የድህዩ

8-9. ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንሱ ንዓለም ብጽድቂነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፣ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።