1. እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፣ የማነይቱን እቲ ቅዱስ ቅልጽሙን ስዒሮም እዮም እሞ፣ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
2. እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፣ ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ።
3. ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፣ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረአየ።
4. ኣቲ ምድሪ ዅልኺ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን አመስግኑን።
5. ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፣ እወ፣ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ።
6. አብ ቅድሚ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።
7. ባሕርን ምልኣቱን፣ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን የድህዩ።
8-9. ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፣ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፣ ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...