1. ኣምላኸይ፣ ኣምላኸይ፣ ስለምንታይ ሐደግካኒ፧ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ።

2. ኣምላኸይብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስንብለይቲውን ትም ኣይብልን።

3. ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ።

4. ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፣ ተወኪሎም፣ ንስኻውን ኣናገፍካዮም

5. ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ፣ ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን

6. ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብንብህዝቢ እተናዕቀን እየ እምበር፣ ሰብሲ ኣይኰንኩን።

7-8. ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ።

9. ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ።

10. ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።

11. ጭንቂ ቐሪቡ አሎ፣ ዚሕግዘኒውን የልቦን እሞ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ

12. ብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ

13. ከምቲ ዚዝርፍን ዚጓዝምን ኣንበሳስ ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ አለዉ።

14. ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸ

15. ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒ

16. ኣኽላባት ከቢቦምኒኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣

17. ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ።

18. ንኽዳውንተይ ይማቐልዎንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ

19. ጐይታየ፣ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሓቕ፣ ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ

20. ንነፍሰይ ካብ ሴፍ፣ ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ

21. ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፣ ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒ

22. ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ።

23. ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁኣመስግንዎ። ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፣ ወድስዎዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፣ ፍርህዎ

24. ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖንኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን

25. እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።

26. ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ።

27. ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም።

28. መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ።

29. ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኺበልዑን ኪሰግዱን፣ እቶም ናብ መሬት ዚወርዱ ዅላቶም እሞ ብህይወት ኪነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ እዮም።

30. ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትውሉ እዮም።

31. ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዚውለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኺነግርዎ እዮም።