1. ጐይታየጸሎተይ ስማዕንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ

2. ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ

3. ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ አሎ።

4. መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክምልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ አሎ።

5. ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትንግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ።

6. ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ አላ። [ሴላ።]

7. እግዚኣብሄርመንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲገጽካ ኣይትኸውለለይ

8. ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ

9. እግዚኣብሄርዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ

10. ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ

11. እግዚኣብሄር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ

12. ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም