1. ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ።
2. ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3. ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፣ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ አሎ።
4. መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ አሎ።
5. ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፣ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ።
6. ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ አላ። [ሴላ።]
7. ዎ እግዚኣብሄር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ።
8. ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።
9. ዎ እግዚኣብሄር፣ ዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ።
10. ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፣ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።
11. ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ።
12. ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...