1. ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሀዲኣ ትጽበ፣ ምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ አሎ።
2. ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን።
3. ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፣ ንምውዳቕ ዝተቐረበ መንደቕን፣ ኵሉኹም ሐቢርኩም ምእንቲ ኸተወድቕዎስ፣ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ፧
4. ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብአፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ አለዉ። [ሴላ።]
5. ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ።
6. ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ኣይክናወጽን እየ።
7. ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ጽኑዕ ከውሔይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ።
8. ኣቱም ህዝቢ፣ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፣ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፣ መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። [ሴላ።]
9. ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፣ ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፣ ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፣ ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ።
10. ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉ፣ ብዘመተ ኸኣ ኸንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፣ ሃብቲ እንተ በዝሔ፣ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።
11. ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፣ ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።
12. ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየ፣ ጸጋውን ናትካ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...