1. ነፍሰይ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ሀዲኣ ትጽበምድሓነይ ካብኡ ይመጽእ አሎ።

2. ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን

3. ከም ዝቐነነ ግድጊዳን፣ ንምውዳቕ ዝተቐረበ መንደቕን፣ ኵሉኹም ሐቢርኩም ምእንቲ ኸተወድቕዎስ፣ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ እትጥሕሩ

4. ካብ ልዕልናኡ ኼጽድፍዎ ጥራይ ይማኸሩብሓሶት ባህ ይብሉ፣ ብአፎም ይምርቑብውሽጦም ግና ይረግሙ አለዉ። [ሴላ።]

5. ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ

6. ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣነ ኣይክናወጽን እየ።

7. ምድሓነይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ጽኑዕ ከውሔይን መዕቈብየይን ኣብ ኣምላኽ እዩ።

8. ኣቱም ህዝቢኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱመዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። [ሴላ።]

9. ውሉድ ኣዳም ምናምን ጥራይ እዮም፣ ውሉድ ሰብውን ሓሶት ጥራይ እዮም፣ ኣብ ሚዛን ልዕል ይብሉ፣ ኵሎም ብሓባር ካብ ምናምን ይፈዅሱ።

10. ኣብ ግፍዒ ኣይትወከሉብዘመተ ኸኣ ኸንቱ ተስፋ ኣይትግበሩ፣ ሃብቲ እንተ በዝሔልብኹም ኣይተውድቑሉ

11. ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ

12. ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፣ ጐይታየጸጋውን ናትካ እዩ።