1. ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ።
2. ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ።
3. በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል።
4. ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፧
5. ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።
6. ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም እሞ፣ ስጉምተይ ይስልዩ አለዉ።
7. ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፧ ዎ ኣምላኽ፣ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም።
8. ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧
9. በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ አሎኹ።
10. ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ አሎኹ።
11. ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧
12-13. ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...