1. እስራኤል ካብ ግብጺቤት ያእቆብ ካብቲ ቛንቋኡ ዘይስማዕ ህዝቢ ምስ ወጸ

2. ይሁዳ መቕደሱእስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።

3. ባሕሪ ርእያቶ ሀደመትዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ

4. ኣኽራን ከም ደዓውልኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ

5. ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከንድሕሪት እተመለስካ

6. ኣቱም ኣኽራን፣ ከም ደዓውል፣ ኣቱም ኰረቢትሲ፣ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፣ እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧

7-8. ኣቲ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፣ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ