1. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ

2. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ

3. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ

4. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በይኑ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ

5. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ

6. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዘርግሓ

7. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ዓበይቲ ብርሃናት ዝገበረ

8. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንጸሓይ ብመዓልቲ ዘሰልጠነ

9. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንወርሕን ከዋኽብትን ብለይቲ ዘሰልጠነ

10. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንግብጺ ብበዅሮም ዝወቕዔ

11. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ካብ ማእከሎም ዘውጽኤ

12. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን

13. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ

14. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ከኣ ብማእከላ ዘሕለፈ፣

15. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ድማ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ዘጥሐለ

16. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ ዝመርሔ

17. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ ንዓበይቲ ነገስታት ዝወቕዖም

18. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ ዝቐተለ

19. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንሲሆንንጉስ ኣሞራውያን

20. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኦግ ንጉስ ባሳን ድማ፣

21. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ምድሮምውን ንርስቲ ዝሀበ

22. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንእስራኤል ባርያኡ ዘረስተየ

23. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ውርደትና ዝዘከረና

24. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ካብ መጥቃዕትና ኸኣ ዘናገፈና

25. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣

26. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ