1-2. እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
3. ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧
4. እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
5. ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጸድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።
6. እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። [ሴላ።]
7. ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
8. እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ።
9. ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
10. እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፧ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። [ሴላ።]
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...