1-2. እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታንዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።

3. ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧

4. እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡንነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕልብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።

5. ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄርጸድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።

6. እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። [ሴላ።]

7. ኣቱም ደጌታትርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታትልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።

8. እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ።

9. ኣቱም ደጌታትርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታትልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።

10. እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፧ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። [ሴላ።]