1. እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም

2. ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ

3. ኵናት ኣምበጥብጥመገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾንነፍሰይምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ

4. ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩንጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን

5. ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም

6-7. ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎም

8. ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ

9. ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ።

10. ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን።

11. ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦምዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ

12. ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒነፍሰይ ዘኽቲማ አላ።

13. ኣነስ፣ እንተ ሐመሙከሊ ተኸደንኩንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ

14. ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ

15. እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን

16. ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ

17. ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ

18. ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ

19. ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ

20. ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ።

21. ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶይብሉ አለዉ።

22. እግዚኣብሄርርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ

23. ኣምላኸይ ጐይታይውንንመሰለይ ንቓሕንነገረይ ድማ ተንስእ

24. እግዚኣብሄርኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶም

25. ብልቦምኣሰይድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉወሐጥናዮኣይበሉ

26. ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ

27. እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱንኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ።

28. መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።