1. ኣምላኽ ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፣ ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ አሎ።

2. ክሳዕ መአዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ፧ ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ፧ [ሴላ።]

3. ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎምንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም።

4. ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም

5. ኣይፈልጡንኣየስተውዕሉን፣ ኣብ ጸልማት ይመላለሱ፣ ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ አሎ።

6-7. ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ ኵላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፣ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፣ በልኩ

8. ኣምላኽ፣ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስሲተንስእ ንምድሪ ፍረዳ