1. እግዚኣብሄርንጽድቂ ስምዓዮ፣ ናብ ጥርዓነይ ኣቕልብ፣ ናብቲ ኻብ ከንፈር ጥበራ ዘይመጸ ጸሎተይ እዝንኻ ምለሰ

2. ፍትሔይ ካብ ገጽካ ይውጻእኣዒንትኻ ንቕንዕና ይርእያኣ

3. ንልበይ ተዐዚብካዮብለይቲ በጺሕካዮመርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።

4. ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፣ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዐቂበ።

5. ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን።

6. ኣምላኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ እጽውዓካእዝንኻ ናባይ ኣድንንንዘረባይ ጽን በሎ።

7. ነቶም ካብ ተጻረርቶም ኣባኻ ዜዕቍቡ፣ ንስኻ ብየማናይ ኢድካ እተናግፎም፣ እቲ ዜደንቕ ሳህልኻ ኣርእዮም።

8-9. ካብቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ረሲኣን፣ ካብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይሲ፣ ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዐቅበኒ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ

10. ንልቦም ብስብሒ ይዐጽውዎብአፎም ትዕቢት ይዛረቡ አለዉ።

11. ኣስአሰርና ስዒቦም ሕጂ ይኸቡና፣ ናብ ምድሪ ኼውድቑና ኣዒንቶም የፍጥጡ አለዉ።

12. ነቲ ኺሰላልዕ ዚምነ ኣንበሳ፣ ነቲ ኣብ ሕቡእ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል

13. እግዚኣብሄርተለዐልግጠመሉኣውድቆንነፍሰይ ካብ ረሲእ ብሴፍካ ኣናግፋ

14. እግዚኣብሄር፣ ካብ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፣ ከብዶም ብመዝገብካ እትመልእውሉዶም ዝበዝሑሎምተረፎም ከኣ ንሕጻውንቶም ዚሐድጉ ሰባትብኢድካ ኣድሕነኒ።

15. ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፣ ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ።