1-2. ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፣ ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፣ ኣመስግንዎ።
3. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ግሩም እዩ እሞ፣ ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ።
4. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ናቱ፣ ንእስራኤል ከኣ ጥሪቱ ኪኸውን ሐረዮ።
5. እግዚኣብሄር ዓብዪ ምዃኑ፣ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣
6. እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።
7. ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፣ ንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮ፣ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ።
8. ንበዅሪ ግብጺ፣ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፣ ወቕዔ።
9. ዎ ምስሪ፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ባሮቱን ትእምርትን ተኣምራትን ሰደደ።
10-11. ንዓበይቲ ኣህዛብ ወቕዔ፣ ንስልጡናት ነገስታት ከኣ፣ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን ንዅሎም መንግስታት ከነኣንን ቀተለ።
12. ምድሮምውን ንርስቲ ሀበ፣ ንህዝቡ እስራኤል ኣውርሶም።
13. ዎ እግዚኣብሄር፣ ስምካ ንዘለአለም፣ ኣታ ጐይታይ፣ ዝኽርኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
14. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይብይነሎም እዩ እሞ፣ ንባሮቱ ይርሕርሓሎም።
15. ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም።
16. ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣
17. ኣእዛን አለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።
18. እቶም ዚገብርዎም ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም።
19. ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣ ኣቱም ቤት ኣሮን፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣
20. ኣቱም ቤት ሌዊ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21. ኣብ የሩሳሌም ዚነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽ። ሃሌሉያ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...