1-2. ሃሌሉያ። ኣቱም ባሮት እግዚኣብሄርስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፣ ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽና እትቘሙኣመስግንዎ

3. እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎግሩም እዩ እሞ፣ ንስሙ ምስጋና ዘምሩሉ።

4. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ናቱ፣ ንእስራኤል ከኣ ጥሪቱ ኪኸውን ሐረዮ

5. እግዚኣብሄር ዓብዪ ምዃኑ፣ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣

6. እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ።

7. ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎንመባርቕ ኣብ ዝናም ይገብሮንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ

8. ንበዅሪ ግብጺ፣ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳወቕዔ

9. ምስሪ፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ባሮቱን ትእምርትን ተኣምራትን ሰደደ

10-11. ንዓበይቲ ኣህዛብ ወቕዔንስልጡናት ነገስታት ከኣ፣ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኦግ ንጉስ ባሳንን ንዅሎም መንግስታት ከነኣንን ቀተለ

12. ምድሮምውን ንርስቲ ሀበንህዝቡ እስራኤል ኣውርሶም

13. እግዚኣብሄርስምካ ንዘለአለም፣ ኣታ ጐይታይዝኽርኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

14. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ይብይነሎም እዩ እሞ፣ ንባሮቱ ይርሕርሓሎም

15. ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም።

16. ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡንኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን

17. ኣእዛን አለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን

18. እቶም ዚገብርዎም ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም።

19. ኣቱም ቤት እስራኤልንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣ ኣቱም ቤት ኣሮን፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ

20. ኣቱም ቤት ሌዊንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፣ ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።

21. ኣብ የሩሳሌም ዚነብር እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባረኽሃሌሉያ