1. እንሆ፣ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትቘሙ ኵሉኹም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ

2. ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ

3. ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባርኽካ