1. እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ።

2. ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ

3. ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። [ሴላ።]

4. ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ

5. ብምንጋፍካ እልል ንብልንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንኹሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ።

6. ንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ።

7. ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።

8. ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም

9. እግዚኣብሄርንንጉስ ኣድሕኖበታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና