1. ጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ።

2. ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣንምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።

3. ጐይታየንኣፈይ ቀፊር ግበረሉደገ ኸናፍረይ ሐሉ

4. ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ

5. ጻድቕ ይውቅዓኒለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።

6. ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም።

7. ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ

8. እግዚኣብሄርጐይታየኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ

9. ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ

10. ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ