1. ጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ።
2. ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።
3. ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።
4. ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ።
5. ጻድቕ ይውቅዓኒ፣ ለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒ፣ ዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ።
6. ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም።
7. ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታየ፣ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ።
9. ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ።
10. ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፣ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...