1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ።
2. ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
3. ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ።
4. ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም።
5. ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ።
6. እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዅኖ።
7. እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
8. እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡኡውን ዕርዲ ምድሓን እዩ።
9. ንህዝብኻ ኣድሕኖ፣ ንርስትኻ ድማ ባርኮ፣ ጓስዮም፣ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...