1. እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ።

2. ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ

3. ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ

4. ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም

5. ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዅኖ።

7. እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።

8. እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡኡውን ዕርዲ ምድሓን እዩ።

9. ንህዝብኻ ኣድሕኖንርስትኻ ድማ ባርኮጓስዮምንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም