1. ኣበሳኡ እተሐድገሉሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።

2. እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።

3. ስቕ ኢለ ኸሎኹ፣ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ።

4. ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፣ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ

5. ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻበደለይውን ኣይሰወርኩንንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።

6. ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ፣ ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ።

7. ንስኻ ኸውለይ ኢኻ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ

8. ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።

9. ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበየ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።

10. ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ አለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ።

11. ኣቱም ጻድቃንብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።