1. ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ።

2. እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፣ ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ።

3. መኣስር ሞት ከበበኒጸበባ ሲኦል ሐዘኒጭንቀትን መከራን ረኸብኩ

4. ሽዑ ኣነ፣ ዎ ጐይታይንነፍሰይ ኣድሕና፣ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ

5. እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፣ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፣ ኣነ ተሸገርኩ፣ ንሱውን ኣድሐነኒ

7. ነፍሰየእግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፣ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ

8. ንነፍሰይ ካብ ሞትነዒንተይ ካብ ንብዓትነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣

9. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።

10. ኣመንኩ፣ ስለዚ ተዛረብኩኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ።

11. ኣነ ብስምባደይኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፣ በልኩ

12. ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፣ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧

13. ጽዋእ ምድሓን ክወስድስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ።

14. ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።

15. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።

16. እግዚኣብሄር፣ ኣነ ባርያኻ እየ፣ ባርያኻ፣ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፣ መኣስረይ ፈታሕካ

17. መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ።

18-19. ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ዎ የሩሳሌምመብጽዓይ ክፍጽም እየ። ሃሌሉያ