1. ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ።
2. እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፣ ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ።
3. መኣስር ሞት ከበበኒ፣ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፣ ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ።
4. ሽዑ ኣነ፣ ዎ ጐይታይ፣ ንነፍሰይ ኣድሕና፣ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ።
5. እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፣ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እዩ።
6. እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፣ ኣነ ተሸገርኩ፣ ንሱውን ኣድሐነኒ።
7. ነፍሰየ፣ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፣ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
8. ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፣ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣
9. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።
10. ኣመንኩ፣ ስለዚ ተዛረብኩ፣ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ።
11. ኣነ ብስምባደይ፣ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፣ በልኩ።
12. ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፣ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧
13. ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፣ ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ።
14. ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
15. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።
16. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣነ ባርያኻ እየ፣ ባርያኻ፣ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፣ መኣስረይ ፈታሕካ።
17. መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፣ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ።
18-19. ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፣ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከልኪ፣ ዎ የሩሳሌም፣ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ሃሌሉያ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...