1. እግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
2. ጸጋይ፣ ዕርደይ፣ እምባይ፣ መድሓንየይ፣ ዋልታይ፣ እቲ ዝውከሎ፣ ንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ ሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦ፧ ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ፧
4. ሰብ ንትንፋስ ይመስል፣ መዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን።
5. ዎ እግዚኣብሄር፣ ሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፣ ነኽራን ተንክዮ እሞ፣ ኪተክኽ።
6. መባርቕ ኣባርቕ እሞ፣ በትኖም፣ ፍላጻታትካ ወርዊርካ አሸብሮም።
7. ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፣ ካብ ብርቱዕ ማያት፣ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ።
8. ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፣ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።
9. ዎ ኣምላኽ፣ ሓድሽ መዝሙር እዝምረልካ፣ ዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ አሎኹ።
10. ንነገስታት ዲል ዝሀብካ፣ ንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ሰይፊ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ።
11. ካብ ኢድ ውሉድ ጓና፣ ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፣ የማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፣ ኣናግፈንን ባልሃንን።
12. ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፣ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፣
13. መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፣ ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፣
14. ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፣ ኣብ ኣደባባያትናስ፣ ምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን።
15. ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...