1. እግዚኣብሄር እምባይነእዳወይ ውግእነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረይባረኽ

2. ጸጋይዕርደይእምባይመድሓንየይዋልታይ፣ እቲ ዝውከሎንህዝበይ ዜግዝኣለይ ንስኻ ኢኻ።

3. እግዚኣብሄርሰብ እንታይ እዩ እትፈልጦወዲ ሰብከ እንታይ እዩ እትዝክሮ፧

4. ሰብ ንትንፋስ ይመስልመዓልትታቱ ኸም ዚሐልፍ ጽላሎት እየን።

5. እግዚኣብሄርሰማያትካ ለጠቕ ኣቢልካ ውረድ፣ ነኽራን ተንክዮ እሞ፣ ኪተክኽ

6. መባርቕ ኣባርቕ እሞ፣ በትኖምፍላጻታትካ ወርዊርካ አሸብሮም

7. ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፣ ካብ ብርቱዕ ማያት፣ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ

8. ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡየማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።

9. ኣምላኽሓድሽ መዝሙር እዝምረልካዓሰርተ ብዘውታሩ በገና እውድሰካ አሎኹ።

10. ንነገስታት ዲል ዝሀብካንዳዊት ባርያኻ ኻብ ክፉእ ሰይፊ ዘድሐንካ ንስኻ ኢኻ።

11. ካብ ኢድ ውሉድ ጓናኣፎም ጥልመት ዚዛረብየማነይቲ ኢዶም የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት፣ ኣናግፈንን ባልሃንን

12. ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፣ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፣

13. መዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፣

14. ኣብዑርና ኣጸቢቖም ይመንጒዱ፣ ኣብ ኣደባባያትናስምጥሓስን ምህዳምን ኣውያትን ኣይኹን።

15. ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ።