1. ኣምላኽደርቤኻናፋሕ ኣበልካናኰሬኻምለሰና

2. ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያተርተርካያ፣ ትናወጽ አላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን።

3. ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና

4. ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም

5. ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና

6. ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወትንሴኬም ክመቕሎንለሰ ሱኮትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ።

7. ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ኸኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።

8. ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤምእልል በልለይ።

9. ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ

10. ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧

11. ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድአና

12. ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።