1. እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕብዘመናት ጸበባስ እትኽወል

2-3. ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ።

4. ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ።

5. መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም።

6. ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ።

7. ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ።

8. ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ

9. ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ።

10. ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጎ ኣጽፋሩ ይወድቁ

11. ንሱ ብልቡኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል

12. እግዚኣብሄርተንስእ፣ ዎ ኣምላኽኢድካ ኣልዕልንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም

13. ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ

14. ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።

15. ንቕልጽም ረሲእ ስበሮንእኩይረሲእንቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፍኣዮ።

16. እግዚኣብሄር ንዘለአለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም።

17-18. እግዚኣብሄርመሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽልንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲነእዛንካ ተድንነንንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።