1. ዎ ኣምላኽ፣ ልበይን ክብረይን ኣንቂደን አለዋ። ክዝምርን ከመስግንን እየ።
2. በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
3. ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
4. ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣
5. ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6. ፍትዋትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፣ ብየማነይትኻ ኣድሕነናን ስምዓናን።
7. ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ እልል ክብል እየ፣ ንሰኬም ክመቅል፣ ንለሰ ሱኮት ክልክዕ እየ።
8. ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴውን ናተይ እዩ፣ ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።
9. ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ። ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ፣ ኣብ ፍልስጥኤም እልል ክብል እየ።
10. ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶም መን ኰን ይመርሓኒ፧
11. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧
12. ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና።
13. ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...