1. ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፣ ዎ ኣምላኽኣድሕነኒ

2. ናብቲ መርገጺ ዜብሉ ዓሚቚ ሰልሚ ሰጢመ፣ ኣብ ጥልቂ ማያት አትየማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ አሎ።

3. ብምእዋየይ ደኺመጐረሮይ ነቒጹኣዒንተይ ንአምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን

4. ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጒሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣ ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣ ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።

5. ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን

6-7. ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣኻ ኣይነውሩ

8-9. ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓናንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ።

10. እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

11. ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩመመሰሊ ዀንክዎም።

12. ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡሰካራት ብአይ ይጭፍሩ

13. አታ እግዚኣብሄርብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣ ዎ ኣምላኽብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ

14. ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽአኒ፣ ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ

15. ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒመዓሙቚ ድማ ኣይውሐጠኒጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፋ ኣይትዕጾ

16. ጐይታየሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ምለሰለይ፣ ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ

17. ጸቢቡኒ እዩ እሞ፣ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉቀልጢፍካ ምለሰለይ

18. ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፣ ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ

19. ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፣ ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ አለዉ።

20. ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ

21. ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ። ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ

22. መአዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይኹኖም፣ ደሓን ኢና ኺብሉ ኸለዉ፣ መጻወድያ ይኹኖም።

23. ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታንሓቛቚኦምውን ኵሉ ጊዜ ኣንቀጥቅጦ

24. መዓትካ ኣፍስሰሎምረስኒ ቚጥዓኻውን የርክቦም

25. ማሕደሪኦም ይዕኖ፣ ኣብ ድንኳናቶም ዚነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ።

26. ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፣ ናይቶም ዘቚሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ አለዉ እሞ፣

27. ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኮም፣ ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ

28. ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣ ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ

29. ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፣ ዎ ኣምላኽምድሓንካ ልዕል የብለኒ።

30. ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ።

31. እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፣ ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ኬብሎ እዩ።

32-33. እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖምንእሱራትውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣ ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎልብኹም ብህይወት ይንበር።

34. ሰማይን ምድርን ባሕርን፣ ኣብኡ ዚዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ

35. ኣምላኽ ንጽዮን ኬድሕናንኸተማታት ይሁዳውን ኪሀንጸን እዩ እሞ፣ ኣብኤን ኪነብሩን ኪርስተዩን

36. ዘርኢ ባሮቱ ኺወርስዋስሙ ዚፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።