1. ዓሻ ብልቡኣምላኽ የልቦን፣ ይብልተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን።

2. ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።

3. ኵሎም ዐልዮምብዘለዉ ተባለሽዮምሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።

4. እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፧

5. ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮም

6. ኣየምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶምያእቆብ ኪሕጐስእስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ።