1. ዓሻ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን።
2. ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።
3. ኵሎም ዐልዮም፣ ብዘለዉ ተባለሽዮም፣ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4. እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፧
5. ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱ፣ ኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮም።
6. ኣየ፣ ምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶም፣ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...