1. ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፣ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።
2. ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፣ ማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ።
3. ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻ፣ ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ውግእን ሰባበረ። [ሴላ።]
4. ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ ብሩህን ክቡርን ኢኻ።
5. እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉ፣ ድቃሶም ደቀሱ፣ ኵላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን።
6. ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፣ ብተግሳጽካ ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ።
7. ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፣ ክትቍጣዕ ከሎኻኸ፣ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል፧
8-9. ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፣ ኣምላኽ ንዅሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፣ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት። [ሴላ።]
10. ኵራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፣ ትርፊ ዅራ ኽትዕጠቕ ኢኻ።
11. ንእግዚኣብሄር፣ ንኣምላኽኩም፣ ተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኵሉኹም፣ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ።
12. ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፣ ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...