1. ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፣ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።

2. ድንኳኑ ኣብ ሳሌምማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ።

3. ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻዋልታን ሰይፍን መሳርያ ውግእን ሰባበረ። [ሴላ።]

4. ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ ብሩህን ክቡርን ኢኻ።

5. እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉድቃሶም ደቀሱ፣ ኵላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን

6. ኣምላኽ ያእቆብብተግሳጽካ ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ።

7. ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፣ ክትቍጣዕ ከሎኻኸ፣ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል፧

8-9. ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካኣምላኽ ንዅሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት። [ሴላ።]

10. ኵራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፣ ትርፊ ዅራ ኽትዕጠቕ ኢኻ።

11. ንእግዚኣብሄርንኣምላኽኩምተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኵሉኹም፣ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ

12. ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፣ ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ።