1. ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽነመስግነካ አሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተአምራትካ የዘንትውዎ

2. ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎቅኑዕ ክፈርድ እየ።

3. ምድርን ኣብአ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ። [ሴላ።]

4. ነቶም ደፋራትኣይትድፈሩንረሲኣንውንቀርንኹም ኣይተልዕሉበልክዎም

5. ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ

6. ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣

7. ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።

8. ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ አሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።

9. ኣነ ግና ንዘለአለም እዚ ኸዘንቱንኣምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ

10. ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።