1. ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ አሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተአምራትካ የዘንትውዎ።
2. ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎ፣ ቅኑዕ ክፈርድ እየ።
3. ምድርን ኣብአ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ። [ሴላ።]
4. ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም።
5. ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።
6. ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣
7. ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።
8. ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ አሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።
9. ኣነ ግና ንዘለአለም እዚ ኸዘንቱ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፣
10. ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...