1. ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብርኣዒንተይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ።

2. እንሆ፣ ከምቲ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም፣ ከምቲ ኣዒንቲ ገረድ ናብ ኢድ እምቤታ ዚጥምታ፣ ከምኡውን ኣዒንትና፣ ንሱ ኽሳዕ ዚርሕርሓልና፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይጥምታ አለዋ።

3. ምሐረናንዕቀት ኣዚና ጸጊብና ኢና እሞ፣ ጐይታየ፣ ምሐረና።

4. ነፍስና ብላግጺ ሕንቁቓትን ብንዕቀት ዕቡያትን ኣዝያ ጸገበት