1. ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ

2. ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ

3. ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።

4. ብዘረባኻ ጻድቕብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ

5. እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩእኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ

6. እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ

7. ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱሕጸበኒ

8. እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒ

9. ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ

10. ኣምላኽጽሩይ ልቢ ፍጠረለይጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ

11. ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ

12. ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ

13. መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፣ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም።

14. ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ።

15. ጐይታየኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲከናፍረይ ክፈት

16. መስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፣

17. መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ።

18. ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ

19. ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂብዚሐርር መስዋእቲብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም።