1. ኣምላኽ ይተንስእጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ

2. ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖምስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲአን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ

3. ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፣ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ።

4. ንኣምላኽ ቃንዩሉንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።

5. ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።

6. ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦምተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ

7. ኣምላኽቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ፡ [ሴላ።]

8. ምድሪ ኣንቀጥቀጠትሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት።

9. ኣምላኽዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፣ ነታ ዝሓመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ

10. ህያዋንካ ኣብኡ ሐደሩ፣ ዎ ኣምላኽብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም

11. እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።

12. ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሀድሙ፣ ይሀድሙ፣ ኣብ ገዛ ዝወዐለትውን ምርኮ ትማቐል

13. ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሐደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩርክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ።

14. እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ።

15. ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣ ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ።

16. ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኩም ኣኽራን፣ ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ኪዅኖ እተመነዮ ኸረን ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧ እወ፣ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብኡ ኺነብር እዩ።

17. ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ።

18. ናብ ላዕሊ ደየብካምርኮ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ

19. እግዚኣብሄር ይባረኽነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ። [ሴላ።]

20. ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፣ ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ።

21. ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፣ ኤረ ነቲ ብበደሉ ዚመላለስ ጐታንመንበስበስታኡ ኺጭፍልቖ እዩ።

22-23. እግዚኣብሄርኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻመልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቚ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ

24. ኣምላኽኡደትካ፣ ናይ ኣምላኸይ፣ ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረአዩ

25. ቅድም ዘመርቲ፣ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዐቡ፣ ከበሮ ዚወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ።

26. ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ

27. ኣብኡ ብንያም፣ እቲ ምንኣስ ኵሎም፣ ገዛኢኦምመሳንፍቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፣ መሳፍንቲ ዛብሎንመሳፍንቲ ንፍታሌም አለዉ።

28. ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፣ ዎ ኣምላኽነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ

29. ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም።

30. ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኺመጹኻ፣ ንኣራዊት ሰልሰላ፣ ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም። ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም።

31. መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።

32-33. አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጹየስምዕ አሎ። [ሴላ።]

34. ንኣምላኽ ምልኪ ሀቡ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ።

35. ዎ ኣምላኽ፣ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ። ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዚህብ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይባረኽ