1. ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።

2. ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።

3. ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም

4. ንኽብሪ ያእቆብፈታዊኡርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና። [ሴላ።]

5. ኣምላኽ ብእልልታእግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ

6. ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።

7. ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ።

8. ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ

9. መሳፍንቲ ኣህዛብሲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ አለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ።