1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብንጽህና ተመላሊሰ፣ ከይተሐንኰሉ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ።
2. ዎ እግዚኣብሄር፣ መርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ።
3. ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ።
4. ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን።
5. ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ።
6-7. ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኸስምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ።
9-10. ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ።
11. ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፣ ኣድሕነኒ ምሓረኒውን።
12. እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...