1. ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቊብ አላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።
2. ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ አሎኹ።
3. ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ፣ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ [ሴላ።] ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ።
4. ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ አሎኹ።
5. ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
6. ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻውደለይ፣ ነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። [ሴላ።]
7. ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።
8. ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።
9. ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
10. ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣
11. ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...