1. ኣምላኽምሐረኒነፍሰይ ኣባኻ ተዕቊብ አላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።

2. ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ አሎኹ።

3. ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ [ሴላ።] ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ።

4. ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻንመላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ አሎኹ።

5. ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።

6. ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻውደለይነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። [ሴላ።]

7. ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።

8. ክብረየንቕሒበገናን መሰንቆን ንቕሑንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።

9. ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።

10. ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣

11. ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።