1. እንሆ፣ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፣ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።

2. ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፣ ኣብ ጭሕሚ፣ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ።

3. እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወትን ንዘለአለምን ኣዚዙ እዩ እሞ፣ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።