1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን ኤእዊ አሎኹ፣
2. ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።
3. ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፣ ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ አላ።
4. ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተቘጺረ፣ ሓይሊ ኸም ዜብሉ ሰብኣይ እየ፣
5. ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፣ ካብ ኢድካ እተቘርጹ፣ ኣብ ጕድጓድውን ዚድቅሱ ቕቱላት ኣብ ማእከል ምውታት ተደርቤኹ።
6. ኣብ ዓሚቚ ጕድጓድ፣ ኣብ ጸልማትል ኣብ መዓሙቕ ኣንበርካኒ፣
7. ቚጥዓኻ ይኸብደኒ አሎ፣ ብዅሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ።
8. ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፣ ብኣታቶም ፍንፉን ገበርካኒ፣ ተዐጽየ፣ ምውጻእውን ስኢነ አሎኹ።
9. ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ አሎኹ።
10. ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧ ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም፧ [ሴላ።]
11. ኣብ መቓብርከ ሳህልኻ፣ ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ፧
12. ተኣምራትካዶ ኣብ ጸልማት፣ ጽድቅኻውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ፧
13. ጐይታየ፣ ኣነ ግና ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ አሎ።
14. ጐይታየ፣ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፧ ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ አሎኻ፧
15. ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፣ ፍርሃትካ ተሰኪመስ፣ ተስፋ እቘርጽ አሎኹ።
16. ሓዊ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፣ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።
17. ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፣ ሐቢሮም ኣብ ዙርያይ አለዉ።
18. ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፣ መሓዛይ ጸልማት እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...