1. እግዚኣብሄርኣምላኽ ምድሓነይ፣ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን ኤእዊ አሎኹ፣

2. ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕእዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን

3. ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፣ ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ አላ።

4. ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተቘጺረሓይሊ ኸም ዜብሉ ሰብኣይ እየ፣

5. ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፣ ካብ ኢድካ እተቘርጹ፣ ኣብ ጕድጓድውን ዚድቅሱ ቕቱላት ኣብ ማእከል ምውታት ተደርቤኹ።

6. ኣብ ዓሚቚ ጕድጓድ፣ ኣብ ጸልማትል ኣብ መዓሙቕ ኣንበርካኒ

7. ቚጥዓኻ ይኸብደኒ አሎ፣ ብዅሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ

8. ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፣ ብኣታቶም ፍንፉን ገበርካኒተዐጽየምውጻእውን ስኢነ አሎኹ።

9. ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፣ ዎ እግዚኣብሄርኵሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ አሎኹ።

10. ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧ ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም፧ [ሴላ።]

11. ኣብ መቓብርከ ሳህልኻ፣ ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ፧

12. ተኣምራትካዶ ኣብ ጸልማትጽድቅኻውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ፧

13. ጐይታየ፣ ኣነ ግና ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ አሎ።

14. ጐይታየ፣ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፧ ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ አሎኻ፧

15. ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፣ ፍርሃትካ ተሰኪመስተስፋ እቘርጽ አሎኹ።

16. ሓዊ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉስምባድካ ኣጥፊኡኒ

17. ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒሐቢሮም ኣብ ዙርያይ አለዉ።

18. ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፣ መሓዛይ ጸልማት እዩ።