1. ዎ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
2. እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን።
3. ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4. እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብአኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ።
5. ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጒ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...