1. ኣምላኽንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄርንምርዳኤይ ቀልጥፍ

2. እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን

3. ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ

4. እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብአኻ ባህ ይበሎምን ይተሓጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ።

5. ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄርረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጒ