1. ኵሉኹም ሃገራትንኣምላኽ እልል በሉሉ፣

2. ንኽብሪ ስሙ ዘምሩንውዳሴኡ ኽብሪ ሀቡ

3. ንኣምላኽ ከኣ፣ ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ፣ ጸላእትኻ ሳላ ዕቤት ስልጣንካ ኣቃባጢሮም ይግዝኡኻበልዎ

4. ኵላ ምድሪ ኽትሰግደልካ ኽትዝምረልካውን እያ፣ ንስምካ ኽትዝምር እያ። [ሴላ።]

5. ንዑኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርአዩግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ።

6. ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ፣ ሽዑ ብእኡ ተሐጐስና

7. ብስልጣኑ ንዘለአለም ይገዝእኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይምልከታዓለወኛታት ርእሶም ኣየልዕሉ። [ሴላ።]

8-9. ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ

10. ኣምላኽተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና

11. ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና

12. ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና

13-14. መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።

15. ካብ ስቡሓት ኣባጊዕ ምስ ዕጣን ደዓውል ገይረ፣ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ። ኣብዑርን ዲቤላታትን ክስውኣልካ እየ። [ሴላ።]

16. ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፣ ንዑንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲስምዑ

17. ብአፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፣ ምስጋናውን ኣብ ትሕቲ መልሐሰይ ነበረ።

18. ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።

19. ግናኸ ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ።

20. እቲ ንጸሎተይ ዘይነዐቐ፣ ጸጋኡውን ዘየርሐቐለይ ኣምላኽሲ ይባረኽ