1. ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ልዕል ኤብለካ አሎኹ።
2. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጒድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ።
4-5. ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
6. ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ።
7. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጎስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ አእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣
9. ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፧ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኮ ድዩ፧
10. ዎ እግዚኣብሄር፣ ስማዕ እሞ ምሐረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን።
11-12. ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...