1. ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ።

2. ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ።

3. ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን።

4. ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።

5-7. ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።

8. ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕየማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ አላ።

9. እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኺወርዱ እዮም።

10. ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም።

11. ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ።