1. ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፣ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ

2. የሩሳሌምኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።

3. ኣቲ የሩሳሌም፣ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ

4. እቶም ዓሌታት፣ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፣ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ

5. ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ አሎ።

6. ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።

7. ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፣ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።

8. ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይንሰላም ይዅነልኪ፣ እብል

9. ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፣ ሰናይኪ እደሊ አሎኹ።