1. ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ፣ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ።
2. ዎ የሩሳሌም፣ ኣእጋርና ኣብ ደጌታትኪ ቘይመን ኣለዋ።
3. ኣቲ የሩሳሌም፣ ከም ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ ተሀነጽኪ።
4. እቶም ዓሌታት፣ ናይ እግዚኣብሄር ዓሌታት፣ ከምቲ ምስክር እስራኤል ንስም እግዚኣብሄር ኪውድሱ ናብኣ ይድይቡ።
5. ኣብኣ ዝፋናት ፍርዲ፣ ዝፋናት ቤት ዳዊት ተነቢሩ አሎ።
6. ንየሩሳሌም ሰላም ለምኑላ፣ እቶም ዜፍቅሩኺ ኺለምዑ እዮም።
7. ኣብ ውሽጢ መካበብያኺ ሰላም፣ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ኸኣ ልምዓት ይኹን።
8. ስለ ኣሕዋተይን ብጾተይን፣ ሰላም ይዅነልኪ፣ እብል።
9. ስለ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢለ፣ ሰናይኪ እደሊ አሎኹ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...