1-2. ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ

3. ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥእምነት ከኣ ድለ።

4. ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

5. መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።

6. ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃንንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ።

7. ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ

8-9. እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ።

10. ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ።

11. ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።

12. ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉኣስናኑውን ይሕርቅመሉ

13. እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ

14. ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎምሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ።

15. ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱቀስቶምውን ኪስበር እዩ።

16-17. ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ

18. እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠንርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ።

19. ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩንብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም።

20. ረሲአን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም።

21-22. እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ

23. ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕመገዱ ኸኣ ባህ የብሎ።

24. እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ።

25. ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉንዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን

26. ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕዘርኡውን ብሩኽ እዩ።

27-28. እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምንንዘለአለም ይሕለዉዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበርንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ።

29. ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።

30. ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር

31. ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።

32. ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎምውን ይደሊ

33. እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጎንኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ።

34. ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።

35. ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦምብስልጣኑ ርኤኽዎ

36. ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎደሌኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን

37. ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ

38. በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቚረጽ እዩ።

39. ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ።

40. እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።