1-2. ኵሉዅም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትንሃብታማትን ድኻታትንሐቢርኩም ጽን በሉ።

3. ኣፈይ ጥበብ ይዛረብሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።

4. እዝነይ ናብ ምስላታት ኤድንን፣ ስዉር ፍልጠተይውን ብበገና እገልጽ አሎኹ።

5. እከይ እቶም ዚረግጹኒ ኪኸበኒ ኸሎ፣ ብመዓልቲ ጸገማ ንምንታይ እየ ዝፈርህ

6. እቶም ኣብ ገንዘቦም ዚውከሉብብዝሒ ሃብቶም ከኣ ዚምክሑ ዘለዉስ፣

7-9. ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡርንዘለአለም ከኣ ተሪፉ እዩ።

10. ጠቢባን ከም ዚሞቱዓሻን ደንቈሮን ሐቢሮም ከም ዚጠፍኡገንዘቦም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሐድጕሎምሲ ኺርኢ ደኣ እዩ።

11. ኣባይቶም ንዘለአለምመሓድሮም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኸም ዚነብር፣ ውሽጣዊ ሓሳቦም እዩ። ንምድሮም በብስሞም ይሰምይዎ አለዉ።

12. ግናኸ ሰብ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል፣ ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን እዩ።

13. እዛ መገዶምሲ ዕሽነቶም እያ፣ ድሕሪኦም ዚመጹውን ንባህሎም ይሰምርዎ። [ሴላ።]

14. ከም ኣባጊዕ ኣብ ሲኦል ይነብሩሞት ይጓስዮምንግሆ ቅኑዓት ይገዝእዎምውቃቢኦም ኣብ ሲኦል ይጠፍእማሕደርውን የብሎምን።

15. ኣምላኽ ግና ኪቕበለኒ እዩ እሞ፣ ንሱ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ኬናግፋ እዩ። [ሴላ።]

16. ሰብ እንተ ሀብተመክብረት ቤቱ እንተ በዝሔኣይትፍራህ

17. ክብረቱ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ፣ ምስ ዚመውት፣ ገለ እኳ ኣይማላእን።

18. ሽሕ እኳ ብህይወቱ ነፍሱ እንተ ኣመስገነ፣ ንርእስኻ ሰናይ እንተ ገበርካላ፣ ሰባትውን እንተ ነአዱኻ፣

19. ንስኻስ ናብቶም ከቶ ብርሃን ዘይርአዩ ዓሌት ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ።

20. ምስትውዓል ዜብሉ ሰብ ብኽብሩ እኳ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል።