1. ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፣ ንሱውን መለሰለይ

2. እግዚኣብሄርንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፣ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ

3. ኣቲ ወስላታ መልሓስ፣ እንታይ ኪህቡኺ፧ እንታይሲ ኺውስኹኺ እዮም፧

4. ናይ ጅግና በላሕቲ ፍላጻ፣ ምስ ጓህሪ ሰራው

5. ወይለይ፣ ኣብ ሜሴክ እሰፍር፣ ኣብ ማእከል ድንኳናት ቄዳር እነብር አሎኹ።

6. ነፍሰይ ምስቶም ሰላም ዚጸልኡብዙሕ ጊዜ ነበረት

7. ኣነስ ሰላማዊ እየ፣ ንሳቶም ግና፣ እንተ ተዛረብኩንውግእ ይስለፉ አለዉ።