1. ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ

2. እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ።

3. ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ

4. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፣ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም

5. ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፣ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ።

6-9. ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፣ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕንነገስታቶም ብሰንሰለትንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፣ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፣ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦምክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። ሃሌሉያ