1-2. ሰአን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ፣ ካብ ኵላቶም ሰጐጕተይ ኣድሕነንን ኣናግፈንን

3. እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፣ ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እንተ ኣልዩ፣

4. ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣ ኣነስ እባ ነቲ ብዘይ ምኽንያት ጸላኢ ዝዀነኒ ደኣ ኣናገፍክዎ

5. እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣ ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ። [ሴላ።]

6. እግዚኣብሄርብዅራኻ ተንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣ ንስኻ ፍርዲ ኣዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ

7. ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ

8. እግዚኣብሄርንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ

9. ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣ ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ

10. ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም

11. ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ።

12. ሰብ እንተ ዘይተመልሰሴፉ ስሒሉቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።

13. መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉንፍላጻታቱ ኣርሰኖ

14. እንሆ፣ ንእከይ የቕለሉ፣ ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ

15. ጒድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣ ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ

16. ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ።

17. ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑልንስም እግዚኣብሄርክዝምረሉ እየ።