1. ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፧ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ

2. ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር

3. ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለአለም ዑና አልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ አሎ።

4. ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮምንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ

5. ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሉ ሰብ ይመስሉ።

6. ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ

7. ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም።

8. ብልቦምሐቢርና ነጥፍኣዮምበሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን

9. ምልክትና ኣይንርእንነብዪ የሎን፣ ክሳዕ መአዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን።

10. ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧

11. ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይቲኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም።

12. ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ።

13. ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።

14. ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም

15. ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ

16. መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ናትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን

17. ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም

18. ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎዓሻ ህዝቢውን ንስምካ ከም ዝነዐቖ ዘክር

19. ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብህይወት መሳኺንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ

20. እቲ ዘጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ አሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት

21. እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስመስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ

22. ኣምላኽተንስእነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር

23. ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል አሎ።