1. ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፣ እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ።
2. ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፣ ሓጐስ ኵላ ምድሪ፣ ብውበታ ልዕል ትብል።
3. ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
4. እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡ፣ ሐቢሮም ሐለፉ።
5. ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ።
6. ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም።
7. ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቕ ትሰባብረን።
8. ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ኬጽንዓ እዩ። [ሴላ።]
9. ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ።
10. ዎ ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ አላ።
11. ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፣ ኣዋልድ ይሁዳ እልል ይብላ።
12. ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱ፣ ግምብታታ ቚጸሩ።
13. ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፣ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ።
14. እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለአለም ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...