1. ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑእግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ።

2. ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስሓጐስ ኵላ ምድሪብውበታ ልዕል ትብል።

3. ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

4. እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡሐቢሮም ሐለፉ

5. ርእዮም ተደነቑተሸቢሮም ሀደሙ

6. ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም

7. ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቕ ትሰባብረን

8. ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ኬጽንዓ እዩ። [ሴላ።]

9. ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ

10. ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ አላ።

11. ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስኣዋልድ ይሁዳ እልል ይብላ።

12. ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱግምብታታ ቚጸሩ።

13. ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ

14. እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለአለም ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።