1. ንኣና ኣይኰነን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንኣና ኣይኰነን፣ ግናኸ ስለ ምሕረትካን ሓቅኻን ኢልካ፣ ንስምካ ኽብሪ ሀብ

2. ስለምንታይ ኣህዛብ፣ ኣበይ ደኣ አሎ ኣምላኾምዚብሉና

3. ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት አሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ።

4. ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ።

5. ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡንኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን

6. እዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑንኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉን

7. ኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱንእግሪ አለዎም፣ ኣይከዱንብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን

8. እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።

9. ኣታ እስራኤል፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከል፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።

10. ኣቱም ቤት ኣሮን፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።

11. ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርህዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወከሉ፣ ንሱ ረዲኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።

12. እግዚኣብሄር ዘከረና፣ ንሱ ኺባርኽንቤት እስራኤል ኪባርኻ፣ ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ።

13. ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁናእሽቱን ዓበይትንኪባርኾም እዩ።

14. ንኣኹምን ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም

15. በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም።

16. ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም

17. ምውታትን ናብ ስቕ ምባል ዝወረዱ ዅሎምን ንእግዚኣብሄር ኣየመስግንዎን እዮም።

18. ንሕና ግና ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ንእግዚኣብሄር ከነመስግኖ ኢና። ሃሌሉያ