1. ኣምላኽብስምካ ኣድሕነኒብስልጣንካውን በይነለይ

2. ኣምላኽጸሎተይ ስማዕንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።

3. ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። [ሴላ።]

4. እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።

5. ንእከይ ናብ ጸላእተይ ኪመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም

6. ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ።

7. ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም