1. ዎ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድሕነኒ፣ ብስልጣንካውን በይነለይ።
2. ዎ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።
3. ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። [ሴላ።]
4. እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።
5. ንእከይ ናብ ጸላእተይ ኪመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም።
6. ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ።
7. ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...