1. ጐይታየ፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።
2. ኣኽራን ከይተወልደ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ።
3. ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ተመለሱ፣ እናበልካ፣ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ አሎኻ።
4. ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፣
5. ከም ብውሒዝ ትገፎም፣ ከም ትኽስታ እዮም፣ ከምቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ፣
6. ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፣ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ።
7. ብዅራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፣ ብቚጥዓኻውን ሰምቢድና።
8. ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፣ ንሕቡእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቚሞ አሎኻ።
9. ብዘሎ መዓልትታትና ብቚጥዓኻ ይሐልፍ፣ ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን አሎና እሞ፣
10. መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
11. ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ፣ ንሓይሊ ኵራኻን ንቚጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ፧
12. ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።
13. ጐይታይ፣ ተመለስ፣ ክሳዕ መአዝ፧ ንባሮትካ ምሐሮም።
14. ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።
15. ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን፣ ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን አሐጕሰና።
16. ግብርታትካ ንባሮትካ፣ ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ።
17. ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...