1. ጐይታየ፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።

2. ኣኽራን ከይተወልደምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ።

3. ኣቱም ደቂ ሰብተመለሱእናበልካንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ አሎኻ።

4. ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፣

5. ከም ብውሒዝ ትገፎም፣ ከም ትኽስታ እዮም፣ ከምቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ

6. ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፣ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ

7. ብዅራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፣ ብቚጥዓኻውን ሰምቢድና

8. ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፣ ንሕቡእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቚሞ አሎኻ።

9. ብዘሎ መዓልትታትና ብቚጥዓኻ ይሐልፍዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን አሎና እሞ፣

10. መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።

11. ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ፣ ንሓይሊ ኵራኻን ንቚጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ፧

12. ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና

13. ጐይታይተመለስ፣ ክሳዕ መአዝ፧ ንባሮትካ ምሐሮም።

14. ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና

15. ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትንክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን አሐጕሰና

16. ግብርታትካ ንባሮትካክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ

17. ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።