1. ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ አመስግኖ አሎኹ።
2. ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።
3. ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፣ ጽድቁ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር።
4. ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፣ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ።
5. ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም ይዝክር።
6. ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ።
7. ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፣ ትእዛዙ ዅሉ ጽኑዕ እዩ።
8. ንዘለኣለመ ኣለም ጽኑዕ፣ ብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።
9. ንህዝቡ በጃ ሰደደሎም፣ ኪዳኑ ንዘለአለም አዘዘ፣ ስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።
10. ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፣ ዚገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና አለዎም። ምስጋናኡ ንዘለአለም ይነብር።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...