1. ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ አመስግኖ አሎኹ።

2. ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ እቶም ብእኡ ዚሕጐሱ ዅሎም ይምርምርዎ እዮም።

3. ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ፣ ጽድቁ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር

4. ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮእግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ።

5. ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦምኪዳኑ ንዘለአለም ይዝክር

6. ርስቲ ኣህዛብ ብምሃቡ ሓይሊ ግብሩ ንህዝቡ ኣርአዮ

7. ግብሪ ኣእዳዉ ሓቅን ፍርድን እዩ፣ ትእዛዙ ዅሉ ጽኑዕ እዩ።

8. ንዘለኣለመ ኣለም ጽኑዕብሓቅን ብቕንዕናን እተገብረ እዩ።

9. ንህዝቡ በጃ ሰደደሎምኪዳኑ ንዘለአለም አዘዘስሙ ቅዱስን ዜፍርህን እዩ።

10. ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፣ ዚገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና አለዎም። ምስጋናኡ ንዘለአለም ይነብር